Welcome to Tewahdo's Tv Official YouTube Channel
ተዋሕዶ ቲቪ ብኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ፥ መንበረ ጵጵስና ኣህጉረ ስብከታት ዝመሓደር መደብ ቲቪ እዪ።
ተልእኮ ተዋሕዶ ቲቪ፦ ብኦርቶዶክሳዊ ኣገባብ ንምእመናን ምምሃር: ምህናጽን ምጽንናዕን ዝዓለመ መደባት ብምድላው ሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ሰሙን (ካብ ሶኑይ-ሰንበት ብኣቋጻጽራ ኤርትራ ካብ ሰዓት 9:00 -10:00 ምሸት) ናብ ኤርትራን ከባቢኡን መደባት ትፍኑ።
Tewahdo TV, a voice of the Archdiocese of the Eritrean Orthodox Tewahdo Church in Diaspora, is broadcasted on Fridays and the weekend to Eritrea and its environs. Its mission is to proclaim the Gospel of Christ, to teach the Orthodox Faith, to guide and uplift the faithful according to the Orthodox Christian Faith and Tradition.
NEW Frequency
SATELLITE: YAHSAT
Frequency: 11842
Polarity: H or V
Symbol rate: 27500
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
#ሰንሰለት_ዘይኣስሮ_ሓቂ፡ እቶም ስለ #ክርስቶስ ዝተኣስሩ
ንክርስቶስ ምቕባልን ንዕኡ ምስዓብን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝህብ ጸጋ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዛ ምድሪ ግን ዋጋ ዘኽፍለሉ ግዜያት ውሑድ ኣይኮነን። ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ከም ዘረድኣና፡ ካብ ዘመን ሃዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ'ዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ-ዘመን፡ ብዙሓት ኣመንቲ ስለ ስም ክርስቶስ ተኣሲሮም፡ ተሳቕዮምን መስዋዕቲ ኮይኖምን እዮም።
እዞም ስለ እምነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም (ከምኡውን ኣብ ሃገርና) ተኣሲሮም ዘለዉ መነኮሳትን ኣቦታትን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ገሊኦም ኣብ ጸልማት ጉድጓድ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ኮንተይነራትን ጽኑዕ ቤት ማእሰርትን ይርከቡ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዘገርም ነገር፡ ዋላ እኳ ኣካላቶም ብሰንሰለት እንተተኣስረ፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ቃል ኣምላኽን መንፈስን ግን ዝኣስሮ ሓይሊ የለን።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ "ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም" (ዮሃ 15:20) ኢሉ ኣቐዲሙ ነጊሩና ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ማእሰርቲ ንኣታቶም ምልክት ሰናይ እምነትን ተስፋ ዘይቆርጽ ፍቕርን እዩ። ኣብ ማእከል መከራ ኮይኖም ንኣምላኽ የመስግኑ፡ ኣብ ክንዲ ምረትን ቅርሕንትን ድማ፡ ስለቶም ዝሰጎጉዎም ይጽልዩ።
ንሕና እዞም ብተዛማዲ ኣብ ራህዋን ሰላምን ዘለና ክርስቲያን፡ ነዞም ን 21 ዓመታት ኣብ ማሓዩር ዘለዉ "ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ" (እብ 11:38) ናይ እምነት ሓርበኛታት ክንዝክሮምን ብጸሎት ክንደግፎምን ይግባእ። ጽንዓቶም ንዓና ትምህርቲ፣ ታሪኾም ድማ ምስክርነት ሓቂ እዩ። ማእሰርቶም ግዝያዊ፡ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ኣኽሊል ክብሪ ግን ዘለኣለማዊ እዩ።
4 days ago | [YT] | 70
View 1 reply
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
#ጸጋ ዚብሃል፡ ፍሉይ መንፈሳዊ ነገር ወይ ንብረት የለን። ጸጋ፡ ተገቢኡና ወይ ብናትና ኣበርክቶ ዘይንረኽቦ፡ እግዚኣብሄር ግን ብገዛእ ፍቓዱ ተደሪኹ ዚህበና ወይ ዚገብረልና ዅሉ ነገር’ዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ እግዚኣብሄር ንሰብ ዚገብረሉን ዚህቦን ኵሉ፡ ጸጋ’ዩ። ሓይሊ፡ ጥዕና፡ ኣሳልጦ፡ ሃብቲ ወዘተ ካብ እግዚኣብሄር ዝተቐበልናዮ ምስ ዚኸውን፡ ጸጋ’ዩ። ምሕረት ወይ ሕድገት ሓጢኣት’ውን ናይ ኣምላኽ ጸጋ’ዩ። ንሕና ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ ዚግብኣና ሰባት ኣይኰንናን። ሕድገት ሓጢኣት ንኺህበና ዜድልይ ኵሉ ዋጋ፡ እግዚኣብሄር’ዩ ኸፊልዎ’ምበር፡ ንሕና ዘበርከትናዮ ነገር የለን። ሰናይን ሕያዋይን ኣምላኽ፡ ሞትናን ጥፍኣትናን ኪርእይ ዘይደልይ፡ ኣዝዩ ዜፍቅረናን ዚድንግጸልናን ኣምላኽ ስለ ዝዀነ ግን፡ ብሞትን ደምን ናይ ቅዱስ ወዱ ኻብ ጥፍኣት ኪብጀወና ፈቐደ። ስለ’ዚ ክርስቶስ ሰብ ኰይኑ ምውላዱ፡ ምእንታና ተሰቒሉ ሙማቱ፡ ብሞቱ ድማ ሕድገት ሓጢኣት ምርካብና፡ እዚ ዅሉ ንኣና ጸጋ’ዩ። ስለ’ዚ “ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም ኪብሃል ከሎ፡ ነዚ ዝበልናዮ ዅሉ ዜጠቓልል’ዩ። ናይ’ቲ ነዊሕን ሰፊሕን መለኮታዊ መስርሕ፡ ብሓጺር ቃል ጥቕልል ኣቢልና ’ንገልጸሉ ኣበሃህላ’ዩ።
1 week ago | [YT] | 34
View 2 replies
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
#ዘይርሳዕ_ስቓይ
ሎሚ ልቢ ዝሰብር ዝኽሪ እዩ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ፡ ህይወቶም ዝሰኣኑሉ ዕለት እዩ።
እዚ ሓደጋ እዚ ንብዙሓት ስድራቤታት ኣብ ሓዘን ዘእተወ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብምሉኡ ብስንባደን ቃንዛን ዘሕለፎ ዓለም ዘስደመመ ፍጻመ እዩ።
ናብ ዝሓሸን ህይወቶም ንምምራሕን ዝነበሮም ራእይን ዕላማን ንምትግባር ዝተጓዕዙ እዮም። ህይወቶም ግን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ተኾሊፋ። እዚ ዘይርሳዕ ቃንዛን ስቓይን ኣብ ልብና ንዘለኣለም ክቕመጥ እዩ።
ብኽብሪ ንዘክሮም። ንዝተረፉ ስድራቤቶም ድማ ምጽንናዕ ንምነ። ብፍጹም ኣይክንርስዓኩምን ኢና። ብርሃን መንግስተ ሰማይ የዋርስኩም።
#ዘይርሳዕ_ስቓይ #ላምፓዱሳ #ኤርትራ #ኣይርሳዕን #Eritrea #Lampedusa #NeverForget
1 month ago | [YT] | 105
View 4 replies
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
ካብ ኦም ሞት ናብ ኦም ህይወት፥
ኣብ ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባት፡ መስቀል ማእከላይ ቦታ ይሕዝ። ንብዙሓት ምልክት ዕሽነትን ስዕረትን ኮይኑ ክስምዖም እንከሎ፡ ንኣና ንምእመናን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበቡን፡ መግለጺ ዓሚቝ ፍቕሩን እዩ። እቲ ሎሚ እነብዕሎ በዓለ መስቀል ድማ፡ ነዚ ኣብ መስቀል እተፈጸመ ምስጢረ ድሕነት ከነስተንትን ዕድል ይፈጥረልና። ከምቲ ብመንቀሊ ሓሳብና ዝረኣናዮ፡ ጉዕዞ ደቂ ሰብ ካብታ ኣብ ገነት ዝነበረት ኦም ጀሚሩ፡ ኣብታ ኣብ ቀራንዮ ዝተሰቕለት ኦም መስቀል መዕለቢኡ ረኺቡ እዩ።
1. ዛንታ ክልተ ኣእዋም ካብ ዘይምእዛዝ ናብ ፍጹም ተኣዛዝነት
ታሪኽና ኣብ ገነት ኤደን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ኦም ጀመረ። ኣምላኽ ንኣዳም፡ "ካብ ኵሉ ኦም ገነት ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ።" (ዘፍ 2፡16-17) ኢሉ ኣዘዞ። እንተዀነ ግን፡ ኣዳም ብዘይምእዛዝ ካብታ ኦም በልዔ፡ ሳዕቤኑ ድማ ሞትን መርገምን ኮነ። እቲ ጸገም እታ ኦም ባዕላ ዘይኰነትስ፡ እቲ ንትእዛዝ ኣምላኽ ዝጠሓሰ "ዘይምእዛዝ"እዩ ነይሩ።
ኣምላኽ በቲ ጥበቡ፡ ነቲ ብዕንጨይቲ ዝመጸ መርገም፡ ብዕንጨይቲ ገይሩ ከፍርሶ መደብ ኣውጽአ። ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፦ "ክርስቶስ፡ 'ኣብ ዕንጨይቲ እተሰቕለ ዅሉ ርጉም እዩ' ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ኣድሓነና።" (ገላ 3፡13)። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ብምስቓል፡ ነቲ ብዕንጨይቲ ዝመጸ መርገም ኣዳም ኣብ ርእሱ ጸይሩ ደምሰሶ።
እቲ መስቀል ሓይሊ ዝገበረ፡ እቲ ዕንጨይቲ ብባህሪኡ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብኡ እተሰቕለ ጎይታ ዘርኣዮ *"ፍጹም ተኣዛዝነት" እዩ። "ንርእሱ ኣሕሰረ፡ ክሳዕ ሞት፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ተኣዘዘ።" (ፊልጲ 2፡8)። ስለዚ፡ ከምቲ ቅዱስ ኢራንዮስ ዝበሎ፡ "እቲ ብዘይምእዛዝ ኣዳም ኣብ ኦም ዝጠፍአ፡ ብተኣዛዝነት ክርስቶስ ኣብ ኦም መስቀል ተረኽበ።"
2. ተመን ኣስራዚ ከም ጽላሎት መስቀል፡
ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን፡ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ መስቀል ክግለጽ ዝነበሮ ምስጢር ብብዙሕ ትንቢታትን ምሳሌታትን ኣቐዲሙ ገሊጽዎ እዩ። ሓደ ካብኡ እቲ ኣብ መጽሓፈ ዘሁልቍ ዝተጻሕፈ ዛንታ ናይ ተመን ኣስራዚ እዩ። ህዝቢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ሙሴን ምስ ኣጉረምረሙ፡ ኣምላኽ መርዛማት ተመን ሰደደሎም። ብዙሓት ድማ ሞቱ። ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም ምስ ለመኑ፡ እግዚኣብሔር ንሙሴ፡ "ተመን ኣስራዚ ግበር እሞ ኣብ ዘንጊ ስቐሎ፡ እቲ እተነኽሰ ዘበለ ዅሉ ናብኡ ምስ ዚጥምት፡ ብህይወት ኪነብር እዩ።" (ዘሁ 21፡8) በሎ።
እዚ ታሪኽ'ዚ ቀጥታዊ ምሳሌ ናይ መስቀል ጎይታና እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ነዚ ምስጢር'ዚ ፡ ***"ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኪሰቐል ይግብኦ እዩ፡ እቲ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኪረክብ።" (ዮሃ 3፡14-15) ኢሉ ፈቲሕዎ ኣሎ። ከምቲ እቶም እተነኽሱ እስራኤላውያን "ብእምነት ጥራይ" ናብቲ ተመን ኣስራዚ ጠሚቶም ዝደሓኑ፡ ንሕና'ውን በቲ ሓጢኣት እተነኸስና፡ ናብቲ ኣብ መስቀል እተሰቕለ ጎይታና "ብእምነት" ምስ እንጥምት፡ ካብ መንፈሳዊ ሞት ድሕነት ንረክብ።
ከምቲ እቲ ተመን ባዕሉ ሓይሊ ዘይነበሮ፡ እቲ መስቀል'ውን ባዕሉ ዘይኰነስ፡ እቲ ኣብኡ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስን እቲ ኣብኡ እተገብረ መስዋእትን እዩ ሓይሊ ድሕነትና።
3. መስቀል ከም ሰንደቕ ዕላማ ዓወትና፡
ዓለም ንመስቀል ከም ምልክት ውርደትን ስቓይን ትርእዮ። ንሳቶም ሓይሊ ኣብ ስልጣንን ሃብትን ክመስሎም ከሎ፡ ኣምላኽ ግና ሓይሉ ኣብ ፍቕርን ትሕትናን ገለጾ። ሓዋርያ ጳውሎስ፡ "ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና፡ ነቶም እንድሕን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።" (1 ቈረ 1፡18) ይብለና።
ስለዚ፡ በዓለ መስቀል፡ ንስቓይ ክርስቶስ ጥራይ እነስተንትነሉ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ መስቀል እተረኽበ ዓቢ ዓወት እነብዕለሉ እዩ። ኣብ መስቀል፡ጸላኢና ሰይጣን ተሳዒሩ እዩ፦ነቲ ጽሕፈትና ዝነበረ፡ ብትእዛዛት ዚቃወመና ዝነበረ፡ ደምሲሱ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኣርሓቖ። ነቶም ገዛእትን ስልጣናትን ድማ ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ ዓወት ገይሩ ብግልጺ ኣዋረዶም።" (ቈሎ 2፡14-15)።
ሓይሊ ሞት ተደምሲሱ እዩ። ጎይታ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ፡ ትንሳኤኡ ኣበሲሩና።
ሰላም ተኣዊጁ እዩ፦"ብመስቀሉ ገይሩ ንጽልኢ ኣብኡ ብምቕታል፡ ነዞም ክልተ (ኣይሁድን ኣህዛብን) ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ የዐርቖም።" (ኤፌ 2፡16)።
ስለዚ፡ ከምቲ እቲ ዘማሪ፡ "ንስንደቕ ዕላማና ብስምካ ነልዕሎ" (መዝ 20፡5) ዝበሎ፡ መስቀል ሰንደቕ ዕላማና፡ ምልክት መንነትና፡ ምንጪ ሓይልናን መመክሒናን እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ "ኣብ ዝኸድናዮ ዘበለ፡ ንመስቀል ከም ዓወትና ንጸሮ። ብመስቀል ኵሉ ነገርና ተፈጸመ፡ ድሕነት መጸ፡ ጽልኢ ተደምሰሰ፡ ዕርቂ ተረኽበ፡ ሰማያት ተኸፍተ።" ብምባል ይምህር።
ሎሚ በዓለ መስቀል ከነብዕል ከለና እምበኣር፡ ንሓደ ታሪኻዊ ፍጻሜ ጥራይ ኣይኰንናን ንዝክር ዘለና። የግዳስ፡
1. ንፍቕሪ ኣምላኽ ነስተንትን፦ "ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።" (ዮሃ 3፡16)።ከም ዝብለና ቅዱስ ጽሑፍ፥" እግዚኣብሔር ምእንቲ ፍቅርና ንሕና ኣብኡ ጽድቂ ኣምላኽ ክንከውን፡ነቲ ሓጢኣት ዘይፈልጥ ሓጢኣተኛ ገበሮ፡(2ቆሮ 5፥21)ናይ ሰላምና ተግሳጽ ኣብ ወዱ ኣንበረ፡(ኢሳ፡53፥5)ብመከራ ክሕምሽሾ ፈተወ፡( ኢሳ፡53፥10)ንወዱ ኣይንሓፎን(ሮሜ፡8፥32)
2. ንዓወት ክርስቶስ ነብዕል፦"ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።(ቆሌ፡2፥14-15)መሊሱ" እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ።ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ።ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።"1ቆሮ ፡15፥54-57 ከምዝብሎ ሓጢኣትናን ብፍትወት ዝወደቀ ኣረጊት ሥጋናን ኣብ መስቀል ሰቂሉ ካባና ብምርሓቕ፡ ንምት ኣብ መስቀል ስለዝስዓሮ ኢዩ ሞት ብዓወት ዝውሓጥ ዘሎ።ስለ'ዚ መስቀል ምልክት ስዕረት ዘይኰነስ፡ መድረኽ ዓወት ጎይታና ምዃኑ ንእመን።
3. መስቀልና ጸይርና ንስዓቦ፦ "ዚስዕበኒ ዘሎ፡ ንርእሱ ይኽሐድ፡ መስቀሉ'ውን የልዕል እሞ ይስዐበኒ።" (ማቴ 16፡24) ከም ዝበለ ጎይታ፡ ኣብ ህይወትና ንዝመጽእ ጸገማት ብዓይኒ እምነት ርኢና፡ ብሓይሊ መስቀሉ ክንሰግሮ ንጽናዕ።
እዚ ምርዳእ'ዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እዚ ፍቕሪ'ዚ ምፍላጥ ባዕሉ ህይወት እዩ። "ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ፡ ንኣኻ፡ በይንኻ ሓቀኛ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ እያ።"(ዮሃ 17፡3)።
ስለዚ፡ እግዚኣብሔር ሓይሊ መስቀሉ ኣብ ህይወትና ይግለጽ፡ ፍቕሪ እቲ ምእንታና እተሰቕለ ጎይታ ድማ ኣብ ልብና ይሕደር።
ስብሓት ለእግዚኣብሔር።
@ብርሀነ ሓደገ
1 month ago | [YT] | 16
View 0 replies
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
መስቀል ምልክት ዓወት ክርስትና
1 month ago | [YT] | 169
View 3 replies
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
2 months ago | [YT] | 171
View 4 replies
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
ንምድሪ ትበጽሓን ዕልቕልቕ ተብላን፣ ኣዚኻ ተሀብትማ፣ ርባ ኣምላኽ ማይ መሊኡ እዩ። ንምድሪ ኸምዚ ጌርካ ምስ ኣዳሎኻያ፣ እኽሊ ተዳልወሎም። ንነግሕታታ ተስትዮ፣ ንድንኵላታ ትምድምዶ፣ ብዝናም ተለምልማ፣ ንብቚላ ትባርኾ። #ንዓመት_ብሳህልኻ_ትኽልላ ፣ #ኣሰርካ_ስብሒ_የንጠብጥብ ። ኣብ ሰውሒ በረኻ የንጠብጥብ፣ ኰረቢትውን ብታሕጓስ ይዕጠቓ። ኣካውሕ ብመጓሴታት ይኽደን፣ ለሴታትውን እኽሊ ይጒልበብ፣ እልል ይብሉን ይዝምሩን ኣለዉ። መዝ 65.11-13
2 months ago | [YT] | 598
View 16 replies
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
ሰላም ተኸታተልቲ TewahdoTV
ምስ ቆሞስ ገብረሚካኤል ቀሺ ዮሓንስ
ንክርስቲያን ሰይጣን ኣይሓድሮን ኢዩ! ዝብል መደብ ኪህልወና ኢዩ።ገለ ሰባት ድማ ይሓድሮ ኢዩ! ዝብል እምንቶ ኣለዎም።ብዛዕባ እዚ ሕቶ ዘለኩም ኣብ ኮመንት ኪትጽሕፉ ንሕብረኩም።ኣብ ዝሓለፈ ዝመሃርዎ ትምህርቲ ብዛዕባ እዚ እንሆ ጥብቆhttps://youtu.be/cZvIz2sQHdk?si=eSCF7...
2 months ago | [YT] | 343
View 5 replies
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
ኮለጅ ተዋሕዶ ምዝገባ ጀሚሩ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 3ይ ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2025 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰኑይ 11 ክሳብ ሰንበት 24 ነሓሰ 2025 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ 31 ነሓሰ 2025 ዓም ክጅምር እዩ።
መላግቦ መመዝገቢ፥ forms.gle/C5ryVX43tzRQoSWt8
ክፍሊ ጉዳያት ተምሃሮ
ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ
3 months ago | [YT] | 243
View 14 replies
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
3 months ago | [YT] | 58
View 1 reply
Load more