TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
#ሰንሰለት_ዘይኣስሮ_ሓቂ፡ እቶም ስለ #ክርስቶስ ዝተኣስሩ ንክርስቶስ ምቕባልን ንዕኡ ምስዓብን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝህብ ጸጋ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዛ ምድሪ ግን ዋጋ ዘኽፍለሉ ግዜያት ውሑድ ኣይኮነን። ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ከም ዘረድኣና፡ ካብ ዘመን ሃዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ'ዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ-ዘመን፡ ብዙሓት ኣመንቲ ስለ ስም ክርስቶስ ተኣሲሮም፡ ተሳቕዮምን መስዋዕቲ ኮይኖምን እዮም። እዞም ስለ እምነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም (ከምኡውን ኣብ ሃገርና) ተኣሲሮም ዘለዉ መነኮሳትን ኣቦታትን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ገሊኦም ኣብ ጸልማት ጉድጓድ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ኮንተይነራትን ጽኑዕ ቤት ማእሰርትን ይርከቡ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዘገርም ነገር፡ ዋላ እኳ ኣካላቶም ብሰንሰለት እንተተኣስረ፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ቃል ኣምላኽን መንፈስን ግን ዝኣስሮ ሓይሊ የለን። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ "ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም" (ዮሃ 15:20) ኢሉ ኣቐዲሙ ነጊሩና ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ማእሰርቲ ንኣታቶም ምልክት ሰናይ እምነትን ተስፋ ዘይቆርጽ ፍቕርን እዩ። ኣብ ማእከል መከራ ኮይኖም ንኣምላኽ የመስግኑ፡ ኣብ ክንዲ ምረትን ቅርሕንትን ድማ፡ ስለቶም ዝሰጎጉዎም ይጽልዩ። ንሕና እዞም ብተዛማዲ ኣብ ራህዋን ሰላምን ዘለና ክርስቲያን፡ ነዞም ን 21 ዓመታት ኣብ ማሓዩር ዘለዉ "ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ" (እብ 11:38) ናይ እምነት ሓርበኛታት ክንዝክሮምን ብጸሎት ክንደግፎምን ይግባእ። ጽንዓቶም ንዓና ትምህርቲ፣ ታሪኾም ድማ ምስክርነት ሓቂ እዩ። ማእሰርቶም ግዝያዊ፡ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ኣኽሊል ክብሪ ግን ዘለኣለማዊ እዩ።
4 days ago | [YT] | 70
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
#ሰንሰለት_ዘይኣስሮ_ሓቂ፡ እቶም ስለ #ክርስቶስ ዝተኣስሩ
ንክርስቶስ ምቕባልን ንዕኡ ምስዓብን፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝህብ ጸጋ እኳ እንተኾነ፡ ኣብዛ ምድሪ ግን ዋጋ ዘኽፍለሉ ግዜያት ውሑድ ኣይኮነን። ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን ከም ዘረድኣና፡ ካብ ዘመን ሃዋርያት ጀሚሩ ክሳዕ'ዚ ዘለናዮ መበል 21 ክፍለ-ዘመን፡ ብዙሓት ኣመንቲ ስለ ስም ክርስቶስ ተኣሲሮም፡ ተሳቕዮምን መስዋዕቲ ኮይኖምን እዮም።
እዞም ስለ እምነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም (ከምኡውን ኣብ ሃገርና) ተኣሲሮም ዘለዉ መነኮሳትን ኣቦታትን ኣሕዋትን ኣሓትን፡ ገሊኦም ኣብ ጸልማት ጉድጓድ፡ ገሊኦም ድማ ኣብ ኮንተይነራትን ጽኑዕ ቤት ማእሰርትን ይርከቡ። ይኹን እምበር፡ እቲ ዘገርም ነገር፡ ዋላ እኳ ኣካላቶም ብሰንሰለት እንተተኣስረ፡ እቲ ኣብ ውሽጦም ዘሎ ቃል ኣምላኽን መንፈስን ግን ዝኣስሮ ሓይሊ የለን።
ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ "ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም" (ዮሃ 15:20) ኢሉ ኣቐዲሙ ነጊሩና ነይሩ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ማእሰርቲ ንኣታቶም ምልክት ሰናይ እምነትን ተስፋ ዘይቆርጽ ፍቕርን እዩ። ኣብ ማእከል መከራ ኮይኖም ንኣምላኽ የመስግኑ፡ ኣብ ክንዲ ምረትን ቅርሕንትን ድማ፡ ስለቶም ዝሰጎጉዎም ይጽልዩ።
ንሕና እዞም ብተዛማዲ ኣብ ራህዋን ሰላምን ዘለና ክርስቲያን፡ ነዞም ን 21 ዓመታት ኣብ ማሓዩር ዘለዉ "ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ" (እብ 11:38) ናይ እምነት ሓርበኛታት ክንዝክሮምን ብጸሎት ክንደግፎምን ይግባእ። ጽንዓቶም ንዓና ትምህርቲ፣ ታሪኾም ድማ ምስክርነት ሓቂ እዩ። ማእሰርቶም ግዝያዊ፡ እቲ ዝጽበዮም ዘሎ ኣኽሊል ክብሪ ግን ዘለኣለማዊ እዩ።
4 days ago | [YT] | 70