TewahdoTV Eritrean Orthodox Church

ካብ ኦም ሞት ናብ ኦም ህይወት፥

ኣብ ታሪኽ ድሕነት ደቂ ሰባት፡ መስቀል ማእከላይ ቦታ ይሕዝ። ንብዙሓት ምልክት ዕሽነትን ስዕረትን ኮይኑ ክስምዖም እንከሎ፡ ንኣና ንምእመናን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበቡን፡ መግለጺ ዓሚቝ ፍቕሩን እዩ። እቲ ሎሚ እነብዕሎ በዓለ መስቀል ድማ፡ ነዚ ኣብ መስቀል እተፈጸመ ምስጢረ ድሕነት ከነስተንትን ዕድል ይፈጥረልና። ከምቲ ብመንቀሊ ሓሳብና ዝረኣናዮ፡ ጉዕዞ ደቂ ሰብ ካብታ ኣብ ገነት ዝነበረት ኦም ጀሚሩ፡ ኣብታ ኣብ ቀራንዮ ዝተሰቕለት ኦም መስቀል መዕለቢኡ ረኺቡ እዩ።

1. ዛንታ ክልተ ኣእዋም ካብ ዘይምእዛዝ ናብ ፍጹም ተኣዛዝነት

ታሪኽና ኣብ ገነት ኤደን፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓንቲ ኦም ጀመረ። ኣምላኽ ንኣዳም፡ "ካብ ኵሉ ኦም ገነት ብላዕ፡ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና፡ ካብኣ ዝበላዕካላ መዓልቲ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ፡ ካብኣ ኣይትብላዕ።" (ዘፍ 2፡16-17) ኢሉ ኣዘዞ። እንተዀነ ግን፡ ኣዳም ብዘይምእዛዝ ካብታ ኦም በልዔ፡ ሳዕቤኑ ድማ ሞትን መርገምን ኮነ። እቲ ጸገም እታ ኦም ባዕላ ዘይኰነትስ፡ እቲ ንትእዛዝ ኣምላኽ ዝጠሓሰ "ዘይምእዛዝ"እዩ ነይሩ።

ኣምላኽ በቲ ጥበቡ፡ ነቲ ብዕንጨይቲ ዝመጸ መርገም፡ ብዕንጨይቲ ገይሩ ከፍርሶ መደብ ኣውጽአ። ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፦ "ክርስቶስ፡ 'ኣብ ዕንጨይቲ እተሰቕለ ዅሉ ርጉም እዩ' ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ምእንታና መርገም ኰይኑ፡ ካብ መርገም ሕጊ ኣድሓነና።" (ገላ 3፡13)። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕንጨይቲ መስቀል ብምስቓል፡ ነቲ ብዕንጨይቲ ዝመጸ መርገም ኣዳም ኣብ ርእሱ ጸይሩ ደምሰሶ።

እቲ መስቀል ሓይሊ ዝገበረ፡ እቲ ዕንጨይቲ ብባህሪኡ ቅዱስ ስለ ዝዀነ ዘይኰነስ፡ በቲ ኣብኡ እተሰቕለ ጎይታ ዘርኣዮ *"ፍጹም ተኣዛዝነት" እዩ። "ንርእሱ ኣሕሰረ፡ ክሳዕ ሞት፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ተኣዘዘ።" (ፊልጲ 2፡8)። ስለዚ፡ ከምቲ ቅዱስ ኢራንዮስ ዝበሎ፡ "እቲ ብዘይምእዛዝ ኣዳም ኣብ ኦም ዝጠፍአ፡ ብተኣዛዝነት ክርስቶስ ኣብ ኦም መስቀል ተረኽበ።"

2. ተመን ኣስራዚ ከም ጽላሎት መስቀል፡

ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን፡ እግዚኣብሔር ነቲ ኣብ መስቀል ክግለጽ ዝነበሮ ምስጢር ብብዙሕ ትንቢታትን ምሳሌታትን ኣቐዲሙ ገሊጽዎ እዩ። ሓደ ካብኡ እቲ ኣብ መጽሓፈ ዘሁልቍ ዝተጻሕፈ ዛንታ ናይ ተመን ኣስራዚ እዩ። ህዝቢ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ኣምላኽን ሙሴን ምስ ኣጉረምረሙ፡ ኣምላኽ መርዛማት ተመን ሰደደሎም። ብዙሓት ድማ ሞቱ። ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም ምስ ለመኑ፡ እግዚኣብሔር ንሙሴ፡ "ተመን ኣስራዚ ግበር እሞ ኣብ ዘንጊ ስቐሎ፡ እቲ እተነኽሰ ዘበለ ዅሉ ናብኡ ምስ ዚጥምት፡ ብህይወት ኪነብር እዩ።" (ዘሁ 21፡8) በሎ።

እዚ ታሪኽ'ዚ ቀጥታዊ ምሳሌ ናይ መስቀል ጎይታና እዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ነዚ ምስጢር'ዚ ፡ ***"ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኪሰቐል ይግብኦ እዩ፡ እቲ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኪረክብ።" (ዮሃ 3፡14-15) ኢሉ ፈቲሕዎ ኣሎ። ከምቲ እቶም እተነኽሱ እስራኤላውያን "ብእምነት ጥራይ" ናብቲ ተመን ኣስራዚ ጠሚቶም ዝደሓኑ፡ ንሕና'ውን በቲ ሓጢኣት እተነኸስና፡ ናብቲ ኣብ መስቀል እተሰቕለ ጎይታና "ብእምነት" ምስ እንጥምት፡ ካብ መንፈሳዊ ሞት ድሕነት ንረክብ።
ከምቲ እቲ ተመን ባዕሉ ሓይሊ ዘይነበሮ፡ እቲ መስቀል'ውን ባዕሉ ዘይኰነስ፡ እቲ ኣብኡ ዝፈሰሰ ደም ክርስቶስን እቲ ኣብኡ እተገብረ መስዋእትን እዩ ሓይሊ ድሕነትና።

3. መስቀል ከም ሰንደቕ ዕላማ ዓወትና፡

ዓለም ንመስቀል ከም ምልክት ውርደትን ስቓይን ትርእዮ። ንሳቶም ሓይሊ ኣብ ስልጣንን ሃብትን ክመስሎም ከሎ፡ ኣምላኽ ግና ሓይሉ ኣብ ፍቕርን ትሕትናን ገለጾ። ሓዋርያ ጳውሎስ፡ "ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና፡ ነቶም እንድሕን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።" (1 ቈረ 1፡18) ይብለና።

ስለዚ፡ በዓለ መስቀል፡ ንስቓይ ክርስቶስ ጥራይ እነስተንትነሉ ዘይኰነስ፡ ነቲ ኣብ መስቀል እተረኽበ ዓቢ ዓወት እነብዕለሉ እዩ። ኣብ መስቀል፡ጸላኢና ሰይጣን ተሳዒሩ እዩ፦ነቲ ጽሕፈትና ዝነበረ፡ ብትእዛዛት ዚቃወመና ዝነበረ፡ ደምሲሱ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኣርሓቖ። ነቶም ገዛእትን ስልጣናትን ድማ ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ ዓወት ገይሩ ብግልጺ ኣዋረዶም።" (ቈሎ 2፡14-15)።
ሓይሊ ሞት ተደምሲሱ እዩ። ጎይታ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ፡ ትንሳኤኡ ኣበሲሩና።
ሰላም ተኣዊጁ እዩ፦"ብመስቀሉ ገይሩ ንጽልኢ ኣብኡ ብምቕታል፡ ነዞም ክልተ (ኣይሁድን ኣህዛብን) ብሓደ ስጋ ምስ ኣምላኽ የዐርቖም።" (ኤፌ 2፡16)።

ስለዚ፡ ከምቲ እቲ ዘማሪ፡ "ንስንደቕ ዕላማና ብስምካ ነልዕሎ" (መዝ 20፡5) ዝበሎ፡ መስቀል ሰንደቕ ዕላማና፡ ምልክት መንነትና፡ ምንጪ ሓይልናን መመክሒናን እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ "ኣብ ዝኸድናዮ ዘበለ፡ ንመስቀል ከም ዓወትና ንጸሮ። ብመስቀል ኵሉ ነገርና ተፈጸመ፡ ድሕነት መጸ፡ ጽልኢ ተደምሰሰ፡ ዕርቂ ተረኽበ፡ ሰማያት ተኸፍተ።" ብምባል ይምህር።


ሎሚ በዓለ መስቀል ከነብዕል ከለና እምበኣር፡ ንሓደ ታሪኻዊ ፍጻሜ ጥራይ ኣይኰንናን ንዝክር ዘለና። የግዳስ፡
1. ንፍቕሪ ኣምላኽ ነስተንትን፦ "ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።" (ዮሃ 3፡16)።ከም ዝብለና ቅዱስ ጽሑፍ፥" እግዚኣብሔር ምእንቲ ፍቅርና ንሕና ኣብኡ ጽድቂ ኣምላኽ ክንከውን፡ነቲ ሓጢኣት ዘይፈልጥ ሓጢኣተኛ ገበሮ፡(2ቆሮ 5፥21)ናይ ሰላምና ተግሳጽ ኣብ ወዱ ኣንበረ፡(ኢሳ፡53፥5)ብመከራ ክሕምሽሾ ፈተወ፡( ኢሳ፡53፥10)ንወዱ ኣይንሓፎን(ሮሜ፡8፥32)

2. ንዓወት ክርስቶስ ነብዕል፦"ነቲ ብሕጋጋት ዚቃወመናን ዚበኣሰናን ዝነበረ ብኢድ እተጻሕፈ ጽሕፈት ዕዳ ደምሲሱ ኸኣ፡ ንእኡ ኣብ መስቀል ሸንኪሩ ኻብ ማእከል ኣርሐቖ። ነቶም ሕልቅነታትን ስልጣናትን ኣጽዋሮም ገፊፉ፡ ብእኡ እናፈከረሎም ከኣ፡ ብግልጺ ኣስተሐፈሮም።(ቆሌ፡2፥14-15)መሊሱ" እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ምስ ለበሰ፡ እዚ መዋቲውን ዘይመውት ምስ ለበሰ፡ ሽዑ እቲ ጽሑፍ፡ሞት ብዓወት ተዋሕጠ፡ዝበሎ ቓል ኪፍጸም እዩ።ዎ ሞት፡ ኣበይ ኣሎ ብልሕኻ፧ኣታ ሲኦልከ፡ ኣበይ ኣሎ ዓወትካ፧ ብልሒ ሞት ሓጢኣት እዩ፡ ሓይሊ ሓጢኣትውን ሕጊ እዩ።ግናኸ ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ገይሩ ዓወት ዚህበና ኣምላኽ ስብሓት ይኹኖ።"1ቆሮ ፡15፥54-57 ከምዝብሎ ሓጢኣትናን ብፍትወት ዝወደቀ ኣረጊት ሥጋናን ኣብ መስቀል ሰቂሉ ካባና ብምርሓቕ፡ ንምት ኣብ መስቀል ስለዝስዓሮ ኢዩ ሞት ብዓወት ዝውሓጥ ዘሎ።ስለ'ዚ መስቀል ምልክት ስዕረት ዘይኰነስ፡ መድረኽ ዓወት ጎይታና ምዃኑ ንእመን።
3. መስቀልና ጸይርና ንስዓቦ፦ "ዚስዕበኒ ዘሎ፡ ንርእሱ ይኽሐድ፡ መስቀሉ'ውን የልዕል እሞ ይስዐበኒ።" (ማቴ 16፡24) ከም ዝበለ ጎይታ፡ ኣብ ህይወትና ንዝመጽእ ጸገማት ብዓይኒ እምነት ርኢና፡ ብሓይሊ መስቀሉ ክንሰግሮ ንጽናዕ።

እዚ ምርዳእ'ዚ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እዚ ፍቕሪ'ዚ ምፍላጥ ባዕሉ ህይወት እዩ። "ናይ ዘለኣለም ህይወት ድማ፡ ንኣኻ፡ በይንኻ ሓቀኛ ኣምላኽ፡ ነቲ ዝለኣኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ምፍላጥ እያ።"(ዮሃ 17፡3)።

ስለዚ፡ እግዚኣብሔር ሓይሊ መስቀሉ ኣብ ህይወትና ይግለጽ፡ ፍቕሪ እቲ ምእንታና እተሰቕለ ጎይታ ድማ ኣብ ልብና ይሕደር።

ስብሓት ለእግዚኣብሔር።

@ብርሀነ ሓደገ

2 months ago | [YT] | 16