amen Amen Amen ke Holachen Gare Yehon Amelaki Kidest SELASE Ehet Wedemoche Bereketacheho Tederesen
3 months ago
| 0
ሰላም ዝኸበርኩም ቤተ ሰብ እዚ ናይ ትምህርቲ መደብ ብምድላውኩም ብጣዕሚ ኢየ ዘመስግን። ኣነ ሓውኹም ክምሃሮ ደልየ ዘለኹ መዝገብን ቅኔን ኢዩ። መደብ ናይ መዝገብ ወይ ቅኔ ከ ዝተዳለወ ኣለኩም እንተ ኮይኑ ክትሕቡሩኒ ምደለኹ ብኸመይ ክረክብ ይኽእል ተሓባበሩኒ። ንትገብሩለይ ምትሕብባር ልባዊ ምስጋን የቀድም! የቀንየለይ።
3 months ago | 1
TewahdoTV Eritrean Orthodox Church
ኮለጅ ተዋሕዶ ምዝገባ ጀሚሩ
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።
ክቡራት ኣገልገልቲ ካህናትን ድያቆናትን ኩላትኩም ምእመናን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ፡ ሰላም ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን።
ኣምላኽ ረዲእና፡ መመዝገቢ መሕተት (ፎርም) ናይ 3ይ ክፍለ-ዓመት ዓመተ-ትምህርቲ 2025 ንሰደልኩም ኣሎና። ምዝገባ ካብ ሰኑይ 11 ክሳብ ሰንበት 24 ነሓሰ 2025 ዓም ክካየድ እንኮሎ፡ ትምህርቲ ድማ 31 ነሓሰ 2025 ዓም ክጅምር እዩ።
መላግቦ መመዝገቢ፥ forms.gle/C5ryVX43tzRQoSWt8
ክፍሊ ጉዳያት ተምሃሮ
ኮለጅ ስነመለኮት ተዋሕዶ
3 months ago | [YT] | 243