Filfil Tv ( ፍልፍል ቲቪ )

ዘመነ ብስራት ኢዩ ዘመኑ ሕጂ ግርም !
ብንያም ምስ ሌጀንድ ኲዕሶ እግሪ ኢንየስታ...!

ዕዉት ቀጠልያ ማልያ ዙር ፈረንሳ ኤርትራዊ ብንያም ግርማይን፡ ዕዉት ዋንጫ ዓለም፡ ኣውሮጳን ቻምፕዮንስ ሊግን ኣንድረስ ኢንየስታን ኣብ ምብጋስ ሓድሽ ዘበን ክለብ NSN Cycling Team ኣብ ከተማ ባርሴሎና ተራኺቦም።

ኣብ ክለብ ባርሴሎናን ሃገራዊት ጋንታ ስጳኛን ተዘካሪ ናይ ጸወታ ጊዜ ዘሕለፈን ኣብ ታሪኽ ካብ ዝበለጹ ኣከፋፈልቲ ብምዃን ዝዝከርን ኢንየስታ ካብ መስረቲ ኲባንያ NSN ኮይኑ፡ ካብ 2026 ትካሎም ነታ ብእስራኤል ፕረምየር ቴክ ትፍለጥ ዝነበረት ጋንታ ወኒኑ ናብ ስሙ ብምቕያር ሒዝዋ ክቐርብ እዩ።

ን3 ጊዜ መድረኽ ዙር ፈረንሳን ቀጠልያ ማልያን ዝተዓወተ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ብንያም ግርማይ ዝርከብዎም ስሙያት ተቐዳደምቲ ብምፍራም ድማ ንዓበይቲ ዓወታት ተዳልዮም ኣለው።
ምንጪ ምኩር ጋዜጠኛ ስፖርት Amanuel Alazar ( Emma Tube )

1 week ago | [YT] | 914