ሰላም ሰላም ስድራ እግዚኣብሔር እንቃዕ ናብዚ መንፈሳዊ (chanel) መጻኩም። ብመዝሙራትን ብቅኔን ብመንፈሳዊ ዜማን ንሓድሕድኩም ተዛራረቡ ንጎይታ ብልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን ከኣ ንእግዚኣቢሔር ኣቦና ስለ ኩሉ ነገር ብስም ጎይታና እየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ሳዕ ኣመስግንዎ።ኤፎ 5፥19-20። ትምህርታትን ከምኡ ውን መንፈሳዊ ስነ ጽሑፋትን ኣብ ይዲድያ Tube ኣለኩም እሞ ኩላትና Subscrieb sher ንትሓጋገዝ


ይዲድያ Tv

4 years ago | [YT] | 6

ይዲድያ Tv

ሰላም እግዚኣብሔር ዘፍቅረኩም ስድራ ክርስቶስ ሰላምኩም ይብዛሕ ኣብዛ መንፈሳዊት ቻነል ምድረ ተስፋ ቱብ ኣቲኩም ከዕብየና ዝኽእል ትምህርቲ ስለ ዘሎ ቤተሰብ ንምኻን ሳብስክራይብ ንግበር
https://youtu.be/XRVXTUBYI6Y

4 years ago (edited) | [YT] | 4

ይዲድያ Tv

ካብ ምኽርታት ማር ይስሓቅ

ካብ መበል 51 ስብከቱ ዝተወስደ

ꗺ ልቦና ዝጎደሎ ጻድቅ ሰብ መብራህቲ ኣብ ትሕቲ ጽሓይ እዩ።
ꗺ ጸሎት ናይ ጌጋተት ዝዝክር ሰብ ዘርኢ ኣብ ከውሒ እዩ
ꗺ ምሕረት ዘይብሉ ባሕታዊ ፍረ ዘይብላ ኦም እዩ።
ꗺ ካብ ቅንኢ ዝወጽእ ጸርፊ መርዛም ኩናት እዩ።
ꗺ ውዳሰ ብልሓተኛ ሰብ ሕቡእ መጻወድያ እዩ።
ꗺ ዓሻ መኻሪ ዕዉር ዋርድያ እዩ።
ꗺ ምስ ስሚዒት ኣልቦ ሰባት ኮፍ ምባል ልቢ ይሰብር።
ꗺ ምስ ለባም ሰብ ምዝርራብ ምቁር ውሓዚ እዩ።
ꗺ ለባም መኻሪ ናይ ተስፋ መንደቅ እዩ።
ꗺ ዓሻን ግዲ ኣልቦ ዓርኪ ናይ ዕንወት ሓብቲ እዩ።
ꗺ ካብ ለባም ሰብ ንዓሻ ጽን ክብል ምርኣይ፡ ሓዘንተኛታት ዝመልእዎ ገዛ ምርኣይ ይበልጽ።
ꗺ ምስ ቀናእ ሰብ ካብ ምንባር ምስ ኣራዊት ምንባር ይበልጽ።
ꗺ ካብ ምስ ዘይየመስግኑ ሰባት ምንባር ኣብ መቃብር ምንባር ይሓይሽ።
ꗺ ካብ ምስ ህሩፍን ገባትን ኮፍ ምባል ምስ ኣሞራታት ምቅማጥ ይበልጽ።
ꗺ ካብ ምስ ሃርጓፍ ሰብ ምዝራብ ምስ ሓሰማ ምዝራብ ይበልጽ፡ ካብ ኣፍ ሃርጓፍ መብልዒ ሓሰማ ስለዝሓይሽ።
ꗺ ካብ ኣብ መንጎ ትዕብተኛታት ምዃን ኣብ መንጎ ርኹሳት(ለምጻማት/leper) ሰባት ኮፍ ምባል ይበልጽ።
“ ካብ ክትኣስር ተኣሰር
ካብ ክትሰቅል ተሰቀል
ካብ ክትብድል ተበደል
ተጽረፍ እምበር ኣይትጻረፍ።”
ꗺ ርቡጽነት ዘይኮነስ ምቅሉልነት ይሃልኻ፡
ፍትሒ ዘይኮነስ ሠናይ ነገር ድኣ ሓዝ፡ ፍትሒ ንክርስትያናዊ ሕይወት ስለ ዘይምልከት። ኣብ ናይ ክርስቶስ ትምህርቲ እውን ኣይተጠቅሰን። ምስ ዝተሓጎሱ ተሓጎሱ፡ ምስ ዝነብዑ ንብዑ፡ እዚ ምልክት ናይ መገዲ ቅኑዕ ንጽህና ስለዝኾነ። ምስቶም ዝሓሙ ስቅያቶም ይሰምዓካ፡ ምስ ኃጥኣተኛታት ኣልቅሱ። ምስቶም ዝንስሑ ድማ ተሓጎሱ። ምስኩሉ ሰብ ሕውነታዊ ፍቕሪ ይኃልኻ። ኣብ ኣእምሮኹም ግና በይንኹም ኩኑ። ኣብ ስቃይ ኩሎም ሰባት ተኻፈልቲ ኩን ነብስኻ ግና ካብ ኩሎም ኣርሕቃ። ንዝኾነ ሰብ ኣይትጽረፍ፡ ኣይትውቀስ፡ ቃላ ብኽፍኣት ዝነብሩ ይኹኑ።
ዝወደቀ ሰብ ዲኖኻ ዘርግሕካ ሸፍኖ። ስሕተቱን ቅጽዓቱን ኣብ ክንድኡ ክትወስድ እኳ እንተ ዘይከኣልካ ብትዕግስቲ ሕፈረቱ ተኻፋሊ ኩን እምበር ኣይተዋርዶ።
ንኸብድኻ ክትብል ምሰባት ኣይትስመር። ንኽብሪ ክትብል እውን ኣይትጽላእ። ኣብ ፍርዲ እውን ኣይትደሰት። ኣብ ልብኻ ኣርምሞ እኳ እንተ ዘይሃለወካ ብውሕዱ ኣፍካ ኣርምሞ ይሃልዎ።
ንሓሳብካ ቅኑዕ ትእዛዝ ክትህቦ እኳ እንተ ዘይካኣልካ ንስምዒትካ ግና ቅኑዕ ትእዛዝ ሃቦ።
ኣብ ኣካላትካ ብሕትውና እኳ እንተዘይብልካ፡ኣብ ሕልናኻ ግና ብሕትውና ይሃልኻ። ብኣካልካ ክትጽዕር/ክትሠርሕ እኳ እንተዘይካኣልካ፡ ሕልናኻ ግና ይወቀስ።
ደው ኢልካ ክትነቅሕ እንተ ዘይኪእልካ፡ ኣብ ወንበርካ ኮፍ ኢልካ ንቃሕ፡ እንተ ዘይኮነ ጎቦ ኮንካ ንቃሕ።
ክልተ መዓልቲ ብሓደ ግዜ ክትጸውም እንተ ዘይኪእልካ፡ ክሳብ ምሸት ጹም፡ ክሳብ ምሸት ሙጻም እንተ ስኢንካ ግና ብውሕዱ ካብ ህርፋን ተቆጠብ።
ኣብ ልብኻ ቅዱስ እንተ ዘይኮንካ ኣካልካ ቅዱስ ይኹን። ኣብ ልብኻ ሓዘን እንተዘይብልካ፡ ብውሕዱ ገጽካ ብሓዘን ሸፍኖ። መሓሪ እንተ ዘይኮንካ ኃጢኣተኛ ስለዝኾንካ ብውሕዱ ተዛረብ።
ገባሪ ሰላም እንተ ዘይኮንካ እኳ ምንጪ ጸገማትን ሽግርን ግና ኣይትኹን። ህርኩት እኳ እንተ ዘይኮንካ ሃካይ ምዃንካ ግና ሕልናኻ ይፍለጥ።
ዕዉት እኳ እንተዘይኮንካ ገዛእ ርእስኻ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝተሣዕሩ ልዕል ኣይተብል። ንብጻዩ ዘቆናጽብን ዘቃልልን ሰብ ክተቁሞ እንተ ዘይከኣልካ ምስኡ ካብ ምሕባር ግና ተቆጠብ።
እዚ ፍለጥ። እሳት (ሓዊ) ካባኻ ከይዱ ንኻልኦት ሰባት እንተበሊዕዎም፡ እግዚአብሔር ነፍሳት እዞም ብእሳት ዝተቃጸላ ካብ ኢድካ ክደልየን እዩ። እቲ እሳት ካባኻ ዘይኮነስ ካብ ካልእ ሰብ ዝኸደ እንተኾነ፣ ኮይኑ ግና ንስኻ ምስኡ ተሓባቢርካን ኣብቲ ዝኾነ’ውን እንተ ተሓጉስካ፡ ኣብ ፍርዲ ግዜ ከም ተሓባባሪ ክትቁጸር ኢኻ።
ትሕትና ተፍቅር እንተዀንካ ሰላማዊ ኩን። ዋጋ ሰላም እንተ ሒዝካ ኩሉ ግዜ ሕጉስ ክትከውን ኢኻ። ወርቂ ዘይኮነስ ፍልጠት ድለ። ብኽዳን ዘይኮነስ ብለውሃት ንነፍስኻ ክደና። መንግሥቲ ዘይኮነ ሰላም ወንን።

ወስብሓት ለእግዚ አብሔር
ወለወላዲቱ ድንገል።
ወለወስቀሉ ክቡር።
#ይዲድያTV

5 years ago | [YT] | 19

ይዲድያ Tv



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ
አሜን!
| መዝ - 87፣7 |
"ኣቲ ከተማ እግዚአብሔር፡ ብዛዕባኺ ክቡር ነገር
ተዘርበ። ብሓጐስ እናዘመሩ፣በረኸትና ካብ ጽዮን ኢዩ
ዝፍልፍል' ክብሉ ኢዮም"።

ርሑስ በዓለ ፍልሰታ ይግበረልና !

5 years ago | [YT] | 40

ይዲድያ Tv

https://youtu.be/KfX-uTzLSdA
*የድህነታችን ፊደል*
👆👆👆👆👆👆

5 years ago | [YT] | 14

ይዲድያ Tv

https://youtu.be/GGkR9bOZ5m8
*መንፈሳዊ ምኽሪ ኣብ ሂወትና*👆👆👆👆👆👆

5 years ago | [YT] | 18

ይዲድያ Tv

ሰላም ስድራ ኣምላክ ሰላምኩም የብዝሕ ሓገዝኩም ሸር ሳብስክራይብ እናገበርኩም ሓገዝኩም ኣይፈለየና
https://www.youtube.com/watch?v=R_lc1...

5 years ago | [YT] | 22

ይዲድያ Tv

https://youtu.be/ielpCgSWZxY
*ናይ ልበይ ኩሉ ንመን ክነግር*👆👆👆👆👆

5 years ago | [YT] | 29

ይዲድያ Tv

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሓዱ አምላክ አሜን!
፲፱/19 ሓምለ በዓለ ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ቅዱስ ገብርኤል መልኣክ
እዚ ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ንቅዱስ ቂርቆስን ንቅድስት ኢየሉጣን ካብ ፍሉሕ ማይ ዘድሓነሎም ዕለት እዩ።
ቅዱስ ቂርቆስ ሃገሩ ሮም እዩ። ኣቦኡ ቆዝሞስ ኣዲኡ ከኣ ቅድስት ኢየሉጣ ይበሃሉ። ቅድስት ኢየሉጣ ሓረገ ትውልዳ ካብ ነግስታት እዩ።
ድዮቅልጢያኖስ ምስ ነገሰ ኣብ 20 ዓመቱ “ኣብያተ ክርስቲያናት ይተዓጸዋ ኣብያተ ጣኦታት ይከፈታ” ዝብል ሰይጣናዊ ኣዋጅ ኣወጀ። ብዚ መሰረት ብዙሓት ክርስቲያን ዓዶም ገዲፎም ካብ ሃገር ናብ ሃገር ተሰዱ። ቅድስት ኢየሉጣ ድማ ወዲ 3 ዓመት ወዳ ሒዛ ካብ ሃገራ ናብ ኢቆንዮን ሃደመት። እንተኾነ ግና መስፍን ናይታ ኣሃገር ዝነበረ እለእስክንድሮስ ዝተባህለ ውን ንክርስቶስ ክሓዱ ንጣኦት ስገዱ በሎም። ቅድስት ኤየሉጣ ድማ “ነዞም ኣፍ ከለዎም ዘይዛረቡ፡ እዝኒ ከለዎም ዘይሰምዑ፡ ኢድ ከለዎም ዘይድህሱ፡ ዓይኒ ከለዎም ዘይርእዩ፡ ስርሓት የእዳውካ ንዝኾኑ ጣኦታት ኣይሰግድን እየ” በለቶ። ንሱ ከኣ “ንጣኦታተይ እንተዘይሰጊድኪ ብሰይፊ ክስይፈኪ እየ” በላ። ንሳ ድማ ፈሪሃ ነዚ ሕጻን በል ሕተቶ በለት። ንሱ ድማ ንወዲ 3 ዓመት ህጸን ቂርቆስ “ብዙሕ ወርቂ ክህበካ እየ ጣኦት ስገደ” በሎ። ህጻን ቂርቆስ ድማ “ንእምነተይ ብወርቅን ብሩርን ኣይሸይጥን እየ፡ ነዞም ንገዛእ ርእሶም እኳ ከድሕኑ ዘይክእሉ ርጉማት ጣኦታትካ ከኣ ኣይሰግድን እየ” በሎ። ዲዮቅልጢያኖስ በዚ ተቖጢዑ “ኣብ ናይ ሓጺን ዕትሮ ኣብ ፍሉሕ ማይ ጠጥቕዎም ኢሉ” ቄናን ፍርዲ ፈረደ። እቶም ወታሃደራቱ ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ገበሩ። ጌና ርሑቕ ከላኻ ከም ነጎድጓድ ክሳብ ዝስማዕ ድማ ማይ ኣፍልሑ። ናብቲ ፍሉሕ ማይ ከእትውዎም እናወሰድዎም ከለዉ ከኣ ኢየሉጣ ፍርሒ ተሰምዓ። ህጻን ቄርቆስ ግን መሊሱ ጸንዐ፡ እግዚኣብሔር ንኣዲኡ ፍርሓት ካብኣ ኣርሒቑ ጽንዓት ክህባ ከኣ ጸሎት ገበረ። “ንሃናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ካብ እቶን ሓዊ ዘጽኦም እግዚኣብሔር ንዓና ውን ከውጽኣና እዩ ኣደየ ኣጆኪ” እናበለ ከኣ ኣጸናንዓ። በዚ ንሳ ውን ኣዝያ ጸንዐት። ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ዝረኣዩ ወታሃደራት ዲዮቅልጢያኖስ ድማ ናብቲ ፍሉሕ ማይ ኣእተውዎም። እግዚኣብሔር ድማ ብስሙ መስኪሮም መከራ ዝጸግቡ ክጠፍኡ ስቕ ኢሉ ስለ ዘይርኢ ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ለኣኸሎም። ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ነቲ ፍሉሕ ማይ ብበትሪ መስቀሉ ገይሩ ተንከፎ’ሞ ናብ ዝሑል ማይ ተቐየረ። ካብቲ መከራን ስቓይን ድማ ኣናገፎም። ኣብ ፍሉህ ማይ ኣትዮም ገለ ነገር ከይኮኑ ብሰላም ውጹ ነዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ድማ ብኣምላኽ ቂርቆስን ኢየሉጣን ኣመኑ። እዚ ዕለት እዚ ብኽብሪ ዝበዓል እንበኣር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ንቅዱስ ቂርቆስን ንቅድስት ኢየሉጣን ካብ ፍሉሕ ማይ ስለ ዘድሓኖም እዩ።
ክቡራት ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ንሕና ሎሚ ከመይ ኣሎና ኣብ እምነትና ከም ህጻን ቂርቆስን ኣዲኡ ኢየሉጣንዶ ጽኑዓት ኣለና፧
እግዚኣብሔር መልኣኹ ልኢኹ ካብ ክሉ ሽግርና ምእንቲ ከድሕነና ኩሉ ግዜ ኣብ እምነትና ጽንዓት ንኹን። እግዚኣብሔር ኣብ እምነትና የጽንዓና ኣሜን!!!
በረኸትን ረድኤትን ናይ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን!!!
ስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!!!

5 years ago | [YT] | 33